SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

Episodes

September 29, 2025 9 mins
ሻምፒዮና ኣትለቲክስ ዓለም ቶክዮ 2025 ንሓደ ሰሙን መመላእታ ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ፍሉያት ታሪኻውያን ዓወታት ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ብምምዝጋብ ተዛዚሙ። ቦኽሪ ኣፍሪቃዊ ዓወት ኣብ'ቲ ዝለዓለ ግምት ዝወሃቦ ውድድር ምቅብባል ዱላ ጉያ እግሪ 4 X 400ሜን ኣዴታትን መሓዙትን ዝኾና ኬንያውያን ኣትሌታት ብሉጽ ዓወት ዘመዝገባሉን ብምዃን ተዘካሪ ኮይኑ'ሎ። ንኢትዮጵያ ግን እቲ ውራይ ኣብ 34 ዓመታት ተሳትፎኣ ኣብ'ቲ ውራይ ንፈለማ ግዜ ብዘይወርቂ መዳልያ ኣትሌታታ ንሃገሮም ዝተመልስሉ ብምዃን ጸሊም ተዘክሮ ዝፈጥረ ኮይኑ ሓሊፉ'ሎ።
Mark as Played
ኣርእስታት ዜና፥ ** ሩስያ ኣብ ርእሲ ከተማ ዩክረይን ዝዀነት ኪየቭ ን12 ሰዓታት ብ ኣየር ደብዳብ ፡ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ፣ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ድማ ብውሕዱ 70 ሰባት ቈሲሎም ። ** ጽላት መድሃኒት ኣውስትራሊያ በቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተነግረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ክንደይ ዝኣክል ከምዝጽሎ ብንጹር ክፍለጥ ኣይከኣልን ተባሂሉ ። ** ግጥማት A-F-L ብሪዝቤን ላየንስ ብገፊሕ 47 ነጥቢ ን ጂሎንግ ካትስ ብምስዓር፡ ጋንታ ብሪስቤን ላየንስ ተኸታታሊ ሻምፕዮንነታ ዓቂባ ።
Mark as Played
ን ሎሚ ሰኑይ 29 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ዝሓለፈ ሰሙን ዘዕለለና መቐጸልታኡ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕ...
Mark as Played
ኣውስትራሊያ ትርከበን 150 ሃገራት ብወግዒ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ሂበን ኣለዋ። ኰይኑ ግና ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ጋዛ ውግእ ድሕሪ ምክያዱን ልዕሊ 65,000 ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ፡ ሃገረ ፍልስጥኤም እንታይ እያ ክትመስል፧ እዚ ተፈላጥነት እዚ ስማዊ ድዩ ወይስ ናይ ሓቂ ዓለማውን ግብራውን ጽልዋ ኣለዎ፧ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ግጭትከ ደው ከብሎ ይኽእል ድዩ ፧
Mark as Played
ፕረሲደንት ትግራይ ኩናት ከም ዘይህሉ ኣብ ግምት ብምእታው ሕብረተሰብ ተረጋጊኡ ዕለታዊ ናብራናኡ ክመርሕ ጸዊዑ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕጽል 10 ዓመታት ትቕበለን ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ብኤሌክትሪክ ክትገብር ወሲና ። ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ኑክሌር ስምምዕነት ተፈራሪመን። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ግብጽን ርክብ ኣካይዶም። ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ዝምድና ንምምስራት ድሌት ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ናይ ብሕቲ መንገዲ ኣየር ኖርዘርንስታር ባንዴራ ትግራይ ዘምበልብላ ክልተ ኣውሮፕላናት ዓዲጉ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ምድላዋት ምህላው ገሊጹ።
Mark as Played
ኣርእስታት ዜና፥ ዝሓየለ ህቦቡላ ሳይክሎን ናይ 2025 ኣብ ሆንግ ኮንግ ጉድ ኣት ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ታይዋን 17 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ናብ ገማግም ደቡብ ቻይና ሓሊፉ ኣሎ ። ንትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቖልዑ ምእጋድ ካብ ምጥቃም ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ዝዛለዩ ናይ ጌም ጸወታታት’ውን ከጠቓልል ከምዝኽእል ተፈሊጡ። ካብ የመን እተተኮሰ ድሮን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ከተማ ኤላት ወቒዑ: ብውሕዱ 20 ሰባት ኣቝሲሉ ። ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ዝግበር ግራንድ ፋይናል A-F-L ኣዚዩ ከቢድ ጸወታ ከምዝኸውን ተገሊጹ።
Mark as Played
ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ።
Mark as Played
ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፉ ። ደበና ኩናት ንምቕንጣጥን ብዕቱብ ይሰርሕ ምህላዉ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊጹ። ቢሮ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ካብ ዓዱ ተመዛቢሉ ብዝብኢ ንዝተበልዐ ህፃን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ። ኢትዮጵያን ኬንያን ወታደራዊ ምትሕባረን ንምጥንኻር ተፈራሪመን ። ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታት ዝግበር ዘሎ ጥሕሰት ከም ዘተሓሳሰበን 42 ሃገራት ዓለም ንሕቡራት መንግስታት ኣፍሊጠን።
Mark as Played
From the soccer field to the athletics track, Australia’s Indigenous sportspeople connect cultures and communities whilst contributing to our national identity. Taking inspiration from those before them, their athletic prowess leaves an indelible mark on our nation. Sport’s ability to foster inclusion, equality and the opportunity for greatness has seen Indigenous Australian sportspeople ingrained in the national psyche, whilst ins...
Mark as Played
*** ኣንተኒ ኣልበኔዝ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ከምዝራኸብ ኣረጋጊጹ... *** ኣብ ኦስሎን ኮፐንሃገንን ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ፡ብሰንኪ በረራታት ሓያሎ ዓበይቲ ድሮናት ምሉእ ለይቲ ክዕጾ ተገዲዶም... *** ሚንስትር ጥዕና ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሕማም ኦቲዝም ዝምልከት ብዶናልድ ትራምፕ ዘይተረጋገጸን ዘጨንቕን ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሑ ነቒፍዎ ።
Mark as Played
ወደብ ቴድሮስ ኣብ 2009 ካብ ኤርትራ ናብ ጀርመን እተሰደ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ሃገር ጸገማት ምውህሃድ ስደተኛታት ምስ ሓድሽ ሃገሮም ብምግንዛብ ኣብዚ ጉዳይ ክሰርሕ ጸኒሑ። ትምህርቱ ወሲኹ ቋንቋን ባህልን ጀርመን ኣጽኒዑ ንባይቶ ከባቢ ናይ ከተማ ከለን ክወዳደር ዝበቕዐ እዩ። መስርሕ ምውህሃድ፡ ናብራኻ ኣብ ስደት ኣመሓይሽካ ንዝገደፍካዮ ሃገር ክትሕግዝ ከም ዝከኣል ካብ ተሞኩሮኡ ኣዕሊሉ ኣሎ።
Mark as Played
*** ሃገረ-ፍልስጤም ምምስራት ሰላም ንኽርከብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ከምዝኣምን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልበነዝ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ... *** ድሕሪ ተኸታታሊ ምዝንባይ ድሮናት ኣብ ኮፐንሃገን ዝርከብ ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንማርክ ፡ በረራታት ነፈርቲ ደው ኢሉ ... *** ምክትል ፕረሲደንት ደቡብ ሱዳን ሪክ ማቻር ብኽሲ ክሕደት ኣብ ፍርዲ ምቕራቡ ኣብታ ሃገር ሕድሕድ ኲናት ከይለዓል ተሰጊኡ።.
Mark as Played
ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ፡ ብሪጣንያን ካናዳን ምስ ሓያለ ኣባል ሃገራት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ን ሃገረ ፍልስጢኤም ኣፍልጦ ሂበን፡ እስራኤል ነዚ ትነጽግ ። ** መስራትን ዳይሬክተርን ራድዮ ኤረና ብንያም ስምኦን ኣብቲ ዓመታዊ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ ናይ ዓመተ 2025 ኮይኑ። ** ኣውስትራሊያዊት ኒኮላ ኡሊይስላገርስ ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዓለም ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ኣብ ልዑል ዝላ፡ ክልተ ሜትሮ ብምዝላል ተዓዋቲት መዳልያ ወርቂ ኮይና ።
Mark as Played
ን ሎሚ ሰኑይ 22 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር። ዝብል ሓደ ትሕዝቶ ክህልወና እዩ። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 24 ዓመት ዘቑጸሩ ዝዝከረሉ እዩ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ዋና ዳይረክተር ...
Mark as Played
ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር።
Mark as Played
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ ኣፍሊጡ። ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ምስ ናይ ቻይና ትካል ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሚድያ ኣመሪቑ።
Mark as Played
ሎሚ ሓሙስ 18 መስከረም 2025 እዩ። ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ኣብ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ዓቢ ዝላ ንቕድሚት ዘሰጎመ ደርሲ ምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ኣብ ሓጸርቲ ዛንታ ከይተሓጽረ ኣብ ምጽሓፍ ድራማ፡ ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣ ዝጽሕፎም ዝነበሩን ብሱላት ዓንቀጻትን ዝፍለጥ እዩ። ደራሲ ሚኪኤል በርሀ ብ 30 ነሓሰ 2025 ኣብ መበል 64 ዓመት ዓሪፉ። ብዛዕባ ዘበርከቶም ስራሓትን ብዛዕባ ህይወት ደራሲ ሚኪኤል በርሀን ዝምልከት ምስ ናይ ቀረባ ፈላጢኡን መሳርሕቱን ዝነበረ ኣርቲስት ሚካኤል ኣዶናይ ዝተገብረ ዝርርብ ካልኣይን መወዳእታን ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ...
Mark as Played
ኣርእስታት ዜና፥ ኮምሽን ኤውሮጳ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ጃምላዊ ህልቂት ከም ዝፈጸመት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ዘቕረቦ ጸብጻብ ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ስምምዓት ናጻ ንግዲ ክድስክል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ናይ ኣውስትራሊያ ዒላማ ክሊማ ኣብ 2035 ሎሚ [18 መስከረም] ኣብ ሲድኒ ሎሚ ከፍልጥ እዩ ። መንእሰይ ኣውስትራሊያዊ ተቐዳዳማይ Gout Gout ኣብ ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዉድድር ሓሊፉ ።
Mark as Played
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪካ ማሳድ ቡሎስ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ። ቀዳምነት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጡ። ኣብ ዓፋር ናይ ዘሎ ዕጡቕ ትግራይ 12 ኣመራርሓ ቤትፍርዲ ከይቀረቡ ወርሒ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ ክርስትያን ብጽኑዕ ሓሚሙ ከምዘሎ ተሰሚዑ።
Mark as Played
Learn how to talk about the night sky and stargazing. - ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ከመይ ከም ትዛረቡ፡ (Learn how to talk about the night sky and stargazing.) ቋንቋ እንግሊዝኛ ምርዳእን ምዝራብን ኣብ ኣውስትራሊያ ናብራኹም ከመሓይሽ ዝኽእል እዩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትሕዝቶ ብዛዕባ ናይ ኣውስትራሊያ ህይወትን ኣገላልፃታትን ኣብ ብኸመይ ከምዝበሃልን ኽንገልጽ ኢና ። ናይ እንግሊዝኛ ቛንቛ ክእለትካ ንምምሕያሽ ፣ ብዛዕባ ኣውስትራሊያ ፍልጠትካ ንምዕባይ ጎኒ ንጎኒ ድማ እናተዘናጋዕካ ትምህርቲ ምቕሳም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ብዛዕባ ትምህርቲ ብዛዕባ ሰማይ ለይትን ምዕዛብ ከዋኽብትን ብኸመይ ከም እት...
Mark as Played

Popular Podcasts

    I’m Jay Shetty host of On Purpose the worlds #1 Mental Health podcast and I’m so grateful you found us. I started this podcast 5 years ago to invite you into conversations and workshops that are designed to help make you happier, healthier and more healed. I believe that when you (yes you) feel seen, heard and understood you’re able to deal with relationship struggles, work challenges and life’s ups and downs with more ease and grace. I interview experts, celebrities, thought leaders and athletes so that we can grow our mindset, build better habits and uncover a side of them we’ve never seen before. New episodes every Monday and Friday. Your support means the world to me and I don’t take it for granted — click the follow button and leave a review to help us spread the love with On Purpose. I can’t wait for you to listen to your first or 500th episode!

    Stuff You Should Know

    If you've ever wanted to know about champagne, satanism, the Stonewall Uprising, chaos theory, LSD, El Nino, true crime and Rosa Parks, then look no further. Josh and Chuck have you covered.

    The Joe Rogan Experience

    The official podcast of comedian Joe Rogan.

    True Crime Tonight

    If you eat, sleep, and breathe true crime, TRUE CRIME TONIGHT is serving up your nightly fix. Five nights a week, KT STUDIOS & iHEART RADIO invite listeners to pull up a seat for an unfiltered look at the biggest cases making headlines, celebrity scandals, and the trials everyone is watching. With a mix of expert analysis, hot takes, and listener call-ins, TRUE CRIME TONIGHT goes beyond the headlines to uncover the twists, turns, and unanswered questions that keep us all obsessed—because, at TRUE CRIME TONIGHT, there’s a seat for everyone. Whether breaking down crime scene forensics, scrutinizing serial killers, or debating the most binge-worthy true crime docs, True Crime Tonight is the fresh, fast-paced, and slightly addictive home for true crime lovers.

    The Clay Travis and Buck Sexton Show

    The Clay Travis and Buck Sexton Show. Clay Travis and Buck Sexton tackle the biggest stories in news, politics and current events with intelligence and humor. From the border crisis, to the madness of cancel culture and far-left missteps, Clay and Buck guide listeners through the latest headlines and hot topics with fun and entertaining conversations and opinions.

Advertise With Us
Music, radio and podcasts, all free. Listen online or download the iHeart App.

Connect

© 2025 iHeartMedia, Inc.